እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎካ ክንሰምዕ ንደሊ ኢና

Svensk version av sidan

በቲ ዚግበረልካ ዘሎ ክንክን-ሕማም ዘይዕጉብ ዲኻ? ንሕና ክነመሓይሾ ዘድሊ ነገራት ኣሎዶ? ነቶም ብዛዕባና ዘሎዉኻ ርእይቶታት ክንሰምዕ ባህ ይብለና’ዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(Vi vill veta vad du tycker - tigrinja)

ነቲ ትህበና ርእይቶ ብሰለስተ ኣገባብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡-

  • ምስ ሓደ ኣብዚ ”ትሃድሶ-ማእከል” ዚርከብ ሰብ ብምዝራብ
  • ደብዳበ ብምጽሓፍ
  • ምስታ(ቲ) ”ኣማኻሪት-ተሓከምቲ” (patientvägledaren) ብምዝራብ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ”ትሃድሶ-ማእከል’ዚ” ነቶም ዘሎዉኻ ርእይቶታት ከቕልበሎም ዚግባእ’ዩ። ነቲ ርእይቶኻ ወይ ደብዳበኻ ብድሕሪ ምርካቡ ምሳኻ ርክብ ኪገብር እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ መልሲ ክትረክብ ድማ ዚግባእ’ዩ። እቲ ንዓኻ መልሲ ምሃብ ካብ ኣርባዕተ ሰሙናት ንላዕሊ ኪሓልፍ ኣይግባእን’ዩ።

ንስኻ ባዕልኻ ንምጽሓፍ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፥ ሓደ ካብ ቤተሰብካ ወይ ሓንቲ ናይ ”ኤል.ኤስ.ኤስ. ፈጻሚት ጉዳይ” (LSS-handläggare) ወይ ናይ ቴሌፎን-ተርጓሚ ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ።

ምስ ሓደ ኣብቲ ናትካ ”ትሃድሶ-ማእከል” ዚርከብ ሰብ ንምዝራብ

ምስቶም ኣብቲ ንስኻ ትኸዶ ”ትሃድሶ-ማእከል” ብተደጋጋሚ ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ተዛረብ። ንሳቶም ነቲ ናትካ ርእይቶ ኪቕበሉኻ ይኽእሉ እዮም። ምስቶም ሰራሕተኛታት ንምዝራብ ምስ ዘይትደሊ፥ ምስታ ኣብቲ ”ትሃድሶ-ማእከል” ዘላ ሓለቓ፥ ክዛረብ ደልየ ኣሎኹ ኢልካ ሕተት።

ደብዳበ ንምጽሓፍ

ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ነገር፡ ደብዳበ ብምጽሓፍ ውን ኣብቲ ”ትሃድሶ-ማእከል” ክተረክቦ ትኽእል ኢኻ። ወይ ውን ብቤት ቡስጣ ጌርካ ውን ክትልእኮ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻና ከምዚ ዚስዕብ’ዩ፡-

Habilitering & Hälsa
Box 45436
104 31 Stockholm

ኣብቲ ደብዳበ ስምካ ምጽሓፍ ኣየድልየካን’ዩ። መልሲ ክትረክብ ትደሊ እንተ ዄንካ ግን፡ ስምካን ኣድራሻኻን ወይ ድማ ቁጽሪ ቴሌፎንካ ምርካብ የድልየና’ዩ።

ምስ ”ኣማኻሪት-ተሓከምቲ” ምዝርራብ

እንተ ደኣ ምስቲ ናትካ ”ትሃድሶ-ማእከል” ክትራኸብ ዘይደሊኻ፥ ምስ ”ኣማኻሪት-ተሓከምቲ” (Patientvägledaren) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ”ኣማኻሪት-ተሓከምቲ” ተመዚዛ ዘላ ንዓኻ ንኽትሰምዓካ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ተቕርቦ ርእይቶ ክትቅበለካ እያ። ነቲ ንዓኻ ዘጋጠመካ ነገራት ክትነግራ ትኽእል ኢኻ፥ ንሳ ድማ ምስቲ ቤት ሕክምና ንምርኻብ ክትሕግዘካ እያ።

ስምካ ምንጋር ኣይድልየካ’ዩ። መልሲ ክትረክብ ትደሊ እንተ ዄንካ ግን፡ ስምካን ኣድራሻኻን ወይ ድማ ቁጽሪ ቴሌፎንካ ምርካብ የድልየና’ዩ።

ደብዳቤኻ ናብታ ”ኣማኻሪት-ተሓከምቲ” (Patientvägledaren) ልኣኮ፡-

Stockholms läns sjukvårdsområde
Patientvägledare
Box 45436
104 31 STOCKHOLM

በዚ ዚስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 08-123 400 40 ውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ።