ደገፍ ካብ ማሕበረሰብ

Svensk version av sidan

እቶም ስንክልና ዘሎዎም ሰባት ካብቲ ማሕበረሰብ ፍሉይ ደገፍ ንኪረኽቡ መሰል ዘሎዎም’ዮም። እዚ መሰል’ዚ ድማ ንዓበይቲን ንቖልዑን ዚምልከት እዩ። ኣብዚ ታሕቲ፡ ነቲ ዚግበር ደገፍ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሕጊታት ተመልከት። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(Samhällets stöd, SoL och LSS - tigrinja)

ኣየናይ ሓገዝ ከም ዚግበረልካ ዚውስን፡ እቲ ዘሎካ ዓይነት ስንክልናን - እቲ ንሱ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዘሎዎ ጽልዋን እዩ።

እቲ ናትካ ኮሙን፡ ነቲ ንመዓልታዊ-ህይወትካ ዘድሊ ደገፍ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘሎዎ ንሱ እዩ። እቲ ናይ ምምሕዳር-ዞባ ሓላፍነት ድማ፥ ብዛዕባ ”ክንክን-ሕማማን” ”ሓለዋ-ጥዕናን” እዩ። ሓደ ኣብነት ካብኡ ድማ እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” እዩ።

ንክንክን ዚግበሩ ደገፋት ዚምልከት ሕጊታት

እቶም ብቐዳምነት ንክንክን ዚግበሩ ደገፋት ዚምልከቱ ሕጊታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-

  • ሕጊ ክንክን-ሕማምን ሓለዋ-ጥዕናን - hälso- och sjukvårdslagen (HSL)
  • ሕጊ ማሕበራዊ-ኣገልግሎት - socialtjänstlagen (SoL)
  • ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገለ ስንክልና ዘሎዎም ሰባት - lagen om stöd och service till vissa funktionshindrade (LSS).

ሕጊ ክንክን-ሕማምን ሓለዋ-ጥዕናን

ኣብቲ ሕጊ ክንክን-ሕማምን ሓለዋ-ጥዕናን፡ እንታይ ዓይነት ክንክን ካብቲ ኮሙን፥ ካብቲ ዞባዊ ምምሕዳር ወይ ካብ ካልእ ”ትካል-ሕክምና” ንምርካብ መሰል ከም ዘሎካ፥ ኣብኡ ሰፊሩ ኣሎ።

እቲ ካልእ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ውን፥ ኣብቲ ክንክን-ሕማምን ሓለዋ-ጥዕናን መን ተረባሒ ከም ዚኸውን እዩ። እዚ ”ትሃድሶን-ጥዕናን” ዚህቦ ደገፍ፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ብዞባዊ-ምምሕዳር ደረጃ ዚወሃብ ክንክን እዩ።

እቲ ዞባ፡ ንዓኻ ስንክልና ዘሎካ ሰብ፡ ነንበይኖም ዓይነት ደገፋት ከቕርብ’ዩ ዘሎዎ። ንገለ ካብኡ ድማ ንኣብነት፡-

  • ”ትሃድሶ” - habilitering
  • ”ሓገዝ-መሳርሒ” - hjälpmedel
  • ”ኣገልግሎት-ተርጓማይ” ንመዓልታዊ ጉዳያት - tolktjänst för vardagstolkning.

እቲ ካልእ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ውን፡ እቲ ”ውሕስነት-ክንክን” (vårdgarantin) እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ናይ ጊዜ ቅልጣፈ ነቲ ክንክን ክትረኽቦ ምኽኣል’ዩ።

ሕጊ ማሕበራዊ-ኣገልግሎት

እቲ ”ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት” (Socialtjänstlagen) ዚብሎ፥ እቶም ስንክልና ዘሎዎም ሰባትን - እቶም ናታቶም ስድራ ቤትን፥ ካብቲ ኮሙን ሓገዝ ንኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።

እቲ ዓይነት ዚወሃበካ ደገፍ፡ ከከም’ቲ ዘሎካ ኣድላይነት እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንስኻ ከም ኵሎም ካልኦት ሰባት ንምዕሩይ ኣነባብራ ንኽትበቅዕ እዩ።

እቲ ካብቲ ኮሙን ዚርከብ ደገፍ፡ እቲ ”ቢስቶንድ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ደገፍ’ዩ። ነዞም ዚስዕቡ ዓይነት ደገፋት - ምልክታ ክተቕርበሎም ትኽእል ኢኻ። ገለ ካብቶም ናይ ደገፍ ኣብነታት፡-

  • ”መንበሪ-ቤት” ናይ ምርካብ ደገፍ - boendestöd
  • ሓደ ”ተሓባባሪ-ርክባት” ዚኾነካ ሰብ ምርካብ - kontaktperson
  • ”መሰመይታ” ዚኾነካ ሰብ ምርካብ - ledsagare
  • ፍሉይ ኣገልግሎት ዘሎዎ ”መንበሪ-ቤት” ምርካብ - boende med särskild service
  • ንመተሓዳደሪኻ ዚኸውን ገንዘብ፥ ማለት ንመንበሪ-ገዛ፡ ንመግቢን ካልእ ዘድልየካ ነገራትን መሸፈኒ ገንዘብ።

ብመሰረት እቲ ”ሕጊ-ማሕበራዊ ኣገልግሎት” እቲ ደገፍ ናይ ምርካብ ምልክታኻ - ናብቲ ናትካ ኮሙን ተቕርቦ። ንስኻ ኣብ ስቶክሆልም ኮሙን እትነብር ሰብ፥ ናብቲ ናትካ ”ክፍለ-ከተማ” (stadsdel) ኢኻ ምልክታ ተቕርብ።

እቲ ወላዲ ወይ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ወይ ”ኣማሓዳሪኻ” ወይ ”ኣላዪኻ” ነቲ ናይ ደገፍ ምልክታ ከእትዎ ይኽእል’ዩ።  

ንስኻ 15 ዝመላእካ መንእሰይ፡ ነቲ ደገፍ ናይ ምርካብ ምልክታኻ ባዕልኻ ክተቕርቦ ትኽእል ኢኻ። ገንዘብ ናይ ምርካብ ምልክታ ግን ክተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ።  

እቲ ተቕርቦ ምልክታ፥ ብቓልካ ወይ ብጽሑፍ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገለ ስንክልና ዘሎዎም ሰባት

”ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገለ ስንክልና ዘሎዎም ሰባት” (Lagen om stöd och service till vissa funktionshindrade (LSS)) ከም ዚብሎ፥ እቶም ከቢድ ናይ ስንክልና መቝረንቲ ዘሎዎም ሰባት፥ ደገፍ ንኺግበረሎም ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ከቢድ ናይ ስንክልና መቝረንቲ ማለትና ድማ፥ እቲ ስንክልና ንህይወትካ ብኸቢድ ዚጸልዎ ማለት’ዩ። እቲ ስንክልና ውን ንነዊሕ ጊዜ ወይ ንምሉእ ህይወትካ ጸናሒ ምስ ዚኸውን’ዩ።

እቲ ሕጊ ንሰለስተ ጕጅለታት ዚምልከት’ዩ። እዞም ጕጅለታት፡ ኣብቲ ሕጊ ”ፐርሶን-ክረትስ” (personkrets) ተባሂሎም ይጽውዑ፡-

  1. ኣብዚ ጕጅለ’ዚ ዚካተቱ፡ እቶም ”ሓሳባዊ-ስንክልናን” እቶም ”ኣውቲዝም”ን ዘሎዎም ሰባት እዮም።
  2. ኣብዚ ጕጅለ’ዚ ዚካተቱ፡ እቶም ብምኽንያት ሓደጋ ወይ ብሕማም፥ ምስ ዓበዩ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ጕድኣት ዘጋጠሞም - መጕዳቶም ውን ከቢድ ዝኾኑ ሰባት’ዮም።
  3. ኣብዚ ጕጅለ’ዚ ዚካተቱ፡ እቶም ብስንክልንኦም ምኽንያት ህይወቶም ብኸቢድ ዚጽሎ - ካልእ ዓይነታት ከበድቲ ስንክልናታት ውን ዘሎዎም ሰባት’ዮም።

እቲ ዚግበር ደገፍ ድማ፡ ነቲ ሰብ’ቲ ዝተመሓየሸ ህይወት ንምሃብ’ዩ።

ን10 ዝኾኑ ነንበይኖም ዓይነት ደገፋት ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም እቶም ናይ ”ደገፍ-ስጕምቲ” (insatser) ተባሂሎም ዚጽውዑ፥ ንኣብነት፡-

  • ሓደ ”ተሓባባሪ-ርክባት” ዚኾነካ ስብ ምርካብ - kontaktperson
  • ”መብረን” ከምኡ ውን ”መሰነይታን” ዚኾነካ ኣገልግሎት ምርካብ - avlösarservice och ledsagarservice
  • ”ንዓኻ ግላዊ ደጋፊ” ዚኾነካ ሰብ ምርካብ - personlig assistans
  • ”ንናይ ሓጺር ጊዜ መጽንሒ-ቦታ” ምርካብ - korttidsvistelse
  • ኣብ ጊዜ መዓልቲ እናኸድካ ትሳተፎ ንጥፈት ምርካብ - daglig verksamhet
  • ፍሉይ ኣገልግሎት ኣብ ትረኽበሉ ስድራቤታዊ-ገዛ ወይ መንበሪ-ቦታ ምእታው - boende i familjehem eller bostad med särskild service.

ከምቲ ”ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገለ ስንክልና ዘሎዎም ሰባት” (LSS) ዚብሎ ድማ፥ ነዚ ሓገዝ’ዚ ንምርካብ ናብቲ ትቕመጠሉ ናትካ ኮሙን ኢኻ ምልክታ ተቕርብ።  

እቲ ወላዲ ወይ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ወይ ”ኣማሓዳሪኻ” ወይ ”ኣላዪኻ”፥ ነቲ ናይ ደገፍ ምልክታ ከእትዎ ይኽእል’ዩ።

ንስኻ 15 ዝመላእካ መእሰይ፡ ነቲ ደገፍ ናይ ምርካብ ምልክታኻ ባዕልኻ ክተቕርቦ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ተቕርቦ ምልክታ፥ ብቓልካ ወይ ብጽሑፍ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

”ዝተወሃሃደ ግላዊ መደብ” - Samordnad individuell plan

እቶም ካብቲ ኮሙንን ካብቲ ዞባዊ-ምምሕዳርን ዝተፈላለየ ደገፋት ዚረኽቡ ሰባት፥ ሓደ ”ዝተወሃሃደ ግላዊ መደብ” (en samordnad individuell plan (SIP)) ኪግበረሎም ይኽእል’ዩ።

ሓደ ”ዝተወሃሃደ ግላዊ መደብ” ዚግበረልካ ድማ፥ መታን ንዓኻን ንስድራቤትካን፡ ነቶም ብነንበይኖም ኣሃዱታት ዚግበሩልካ ሓገዛት፥ ብዝቐለለ መገዲ መደብ ኣብ ምውጻእን ኣብ ምምሕዳሩን ሓገዝ ንኽትረክብ ብማለት’ዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ እንተ ደኣ ሓገዝ ካብ ክልቲኡ፡ ማለት ካብ “ትሃድሶን” ካብ “ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያትን” ትረክብ ኴንካ እዩ።

እቲ ”ዝተወሃሃደ ግላዊ መደብ” ብንጹር ዝተገልጸን፥ ነዚም ዚስዕቡ ኣርእስቲታት ውን ዚምልከት ኪኸውን ይግባእ፡-

  • ኣየኖት ናይ ደገፍ ስጕምቲታት ኪግበረልካ ከም ዝኾነ
  • ናይቶም ዚግበሩልካ ናይ ደገፍ ስጕምቲታት ሓላፍነት ዚወስድ ሰብ መን ከም ዚኸውን
  • ነቲ መደብ ዚከታተል ውን መን ከም ዝኾነን እዩ።

ምስ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan) ከምኡ ውን ምስ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ርክብ ምስ ዚህልወካ ውን፥ ኣብቲ ”ዝተወሃሃደ ግላዊ መደብካ” ኪካተቱ ይኽእሉ እዮም።