ስንክልና ንዘለዎም ዓበይቲ

Svensk version av sidan

ኣብዚ ታሕቲ፡ እቲ ንዓኻ ናይ ስንክልና ሽግር ዘሎካ ሰብ፡ ነቶም ብ”ተሃድሶ” ኪገብሩልካ ዚኽእሉ ነገራት ክንገልጽ ኢና። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(För vuxna med funktionsnedsättning - tigrinja)

ብዛዕባ’ዚ ”ትሃድሶ”

እዚ ”ተሃድሶን ጥዕናን” (Habilitering & Hälsa) ማእከል፡ ንዓኻ ነንበይኑ ስንክልናታት ዘሎካ ሰብ ሓገዝን ደገፍን ዚገብር’ዩ። እዚ ድማ፡ “ኣውቲዝም”፡ “ጕድኣተ-ኣእምሮ ምግጣም”፡ “ስንክልና-ኣተሓሳስባ”፡ “ምንቅስቓሳዊ-ስንክልና”፡ ምጽማምን ወይ ውን ”ዑረትን-ምጽማማን” ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ”ተሃድሶ” ኪገብረልካ ዚኽእል፡ ነቲ መዓልታዊ ህይወትካ ብዝቐለለ መገዲ ንምምራሕ ክትክእል እዩ። ኣብ ገዛኻ ይኹን ኣብ ሕብረተሰብ፡ ንነገራት ባዕልኻ ንምግባሮም ንኽትበቅዕ ሓገዝ ንምሃብካ እዩ። ክሳብ’ቲ ዓቕምኻ ከርክቦ ዚኽእል ምግባር ማለትና’ዩ።

ነዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ንምርካብ ባዕልኻ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ”ዶክቶር” ወይ ”ስነ-ኣእምሮኛ” ውን ናባና ናይ ”መወከሲ-መልእኽቲ” (remiss) ኪልእከልና ይኽእል’ዩ። ኣብኡ ድማ “ተሃድሶ” ከም ዘድልየካ ጽሒፎምልካ ኣሎዉ ማለት’ዩ።

ነቲ ምልክታኻ ወይ ነቲ ”መወከሲ-መልእኽቲ” ብድሕሪ ምቕባልና፥ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ “ተሃድሶ-ማእከላትን” ኣኼባ ንምግባር ናብኡ ክንዕድመካ ኢና።

ነዚ ”ትሃድሶ’ዚ” ንኽትረክብ ትኸፍሎ ነገር የልቦን።

ነዚ ዚስዕብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ”፡ ብነንበይኖም ዝኾኑ ነገራት ኪሕግዝ ይኽእል’ዩ። ምሳኻ ሓቢርና ንስኻ እንታይ ዓይነት ሓገዛት ከም ዘድልየካ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና። እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” በዞም ዚስዕቡ መዳያት ይስረሕ’ዩ፡-

  • ፍልጠት ብዛዕባ ስንክልና

  • ብግቡእ ዚሰርሕ መዓልታዊ-ህይወት

  • ጥዕናን ልምድታት-ህይወትን

  • ኣካላዊ-ተንቀሳቓስነትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትንቀሳቐስ ምኽኣልን

  • ምትንፋስን ምውሓጥን

  • ቃንዛን ስምዒታዊ-ሃለዋትን

  • ቋንቋን ምውሳእን

  • ዝምድናታትን ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብ ምኽኣልን

  • ካብ ማሕበረሰብ ዚርከብ ደገፋት

  • ሽግራት-ጠባያት

  • ቤትትምህርቲ፡ ስራሕን ካልእ ዋኒንን

  • ንስድራቤት ዚግበር ደገፍ

ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ፡ ምስ ካልኦት ትካላት ክንክን-ሕማምን ምስቲ ኮሙንን ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ ንገብር ኢና።

እዚ ”ትሃድሶ’ዚ” ብዅሉ ነገራት ይሕግዘካ ማለት ኣይኮነን፥ ንኣብነት መድሃኒት ክንእዝዘልካ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ ኣድላዪ ዝኾነሉ ጊዜ፥ ካልእ ሓገዛት ንምርካብ ናበይ ክትከይድ ከም ዘሎካ ክንነግረካ ኢና።

ብኸምዚ ኣገባብ ደገፍ ንህብ

ብኣካል ክትራኸበና ትኽእል ኢኻ ወይ ውን ብኻልእ ኣገባብ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡-

  • ኣብ ትምህርቲታት ወይ ውን ሓቢርካ ብጕጅለ ምስ ካልኦት ሰባት

  • ኣብ ”ትሃድሶ-ማእከላት” ብኣካል ብምምጻእ

  • ኣብቲ ንስኻ ትነበረሉ ቤት ብምምጻእ

  • ብናይ ቴሌፎን ወይ ብናይ ቪድዮ ዝርርባት ውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ደገፍ ንኣባላት ስድራቤት

ንወለድኻን ንኣሕዋትካን ውን ኣዳልዪ ምስ ዚኸውን ደገፍ ክንገብረሎም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ፡ መታን ንሳቶም ጽቡቕ ኪስምዖም እዩ። ንደቅኻ ውን እንተ ኾነ ደገፍ ክንገብረሎም ንኽእል ኢና።

ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታን መዝገብ-ተሓከምቲን

ንሕና እዞም ኣብ ”ትሃድሶ” እንሰርሕ ሰባት፡ ሕጋዊ ዝኾነ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎና። እዚ ማለት ድማ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ንዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ንነግሮ ሓበሬታ የልቦን።

ንሕና፡ እቶም ዘድልዩኻ ሓገዛት ኣየኖት ምዃኖም፥ ኣብ ሓደ “መዝገብ-ተሓከምቲ” ንጽሕፎ ኢና። ንስኻ(ኺ)፡ ነቲ ናትካ መዝገብ-ተሓከምቲ ኣብ (1177.se) ኣቲኻ ክተንብቦ ወይ ተጻሒፉ ንኺወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ተርጓማይ

ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ፡ እብቲ ምሳና ትራኸበሉ ጊዜ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ተርጓማይ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ነቲ ኣብ ”ትሃድሶ” ትረኽቦ ሰራሕተኛ ኣቐዲምካ ሓበሬታ ሃቦ።

እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎካ ግለጸልና

በቲ ንሕና ንገብሮ ነገራት ዕግበት ዘይረኸብካ ምስ ትኸውን፥ ብግልጺ ክትነግረና ብኽብሪ ንዕድመካ። ብዛዕባ’ቶም ብዝበለጸ ክመሓየሹ የድልዮም’ዩ ትብሎም ነገራት ውን፥ ናትካ እማመ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።