ን”ተሃድሶ” ምልክታ ምቕራብ

Svensk version av sidan

እዚ ”ተሃድሶን ጥዕናን” (Habilitering & Hälsa)፡ ነቶም ስንክልና ዘሎዎም ቆልዑን ዓበይቲን ደገፍን ሓገዝን ዚገብር’ዩ። ነቶም ስድራቤቶም ውን ደገፍ ንገብር ኢና። ነዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ንምርካብ ትኸፍሎ ነገር የልቦን። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(Ansök om habilitering - tigrinja)

መን’ዩ ነዚ ደገፍ’ዚ ዚወሃቦ?

እዚ ”ተሃድሶን ጥዕናን” (Habilitering & Hälsa)፡ ሓደ ክፋል ናይ ምምሕዳር ዞባ ስቶክሆልም’ዩ። ንሕና ደገፍ እንህበሉ ኵነታት ኣብ፡-

  • ”አይ.ዲ.ኤች.ዲ” (adhd) ኣብ ቆልዑን - ክሳብ 25 ዓመት ንዘሎዉን በጽሒታት
  • ”ኣውቲዝም” (autism) ንዘሎዎም
  • ምጽማም ወይ ከቢድ ምጽናዕ ናይ እዝኒ ንዘሎዎምን ”ምልክታዊ- ቋንቋ” ንዘሎዎም ዓበይቲ
  • ምጽማምን-ዑረትን ንዘሎዎም
  • ጕድኣተ-ኣእምሮ ንዘጋጠሞም
  • ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንክልና ንዘሎዎም - ናይ ምምዕባል ስንክልና ንዘሎዎም
  • ስንክልና-ምንቅስቓስ ንዘሎዎም እዩ።

ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ምልክታ ተቕርብ

እቲ ዝቐለለ ምሳና ርክብ ትገብረሉ ኣገባብ፥ ካብ ሓደ ዶክቶር ወይ ካብ ሓደ ”ስነ-ኣእምሮኛ” ናይ ”መወከስታ-መልእኽቲ” (remiss) ናባና ምስ ዚልኣኽ እዩ። ባዕልኻ ውን ምልክታ ንምቕራብ ትኽእል ኢኻ።

ካባና ”ተሃድሶን” (habilitering) ንኽትረክብ፥ ናይ ዶክቶር ምስክር ወረቐት ወይ ነቲ ስንክልናኻ ዚገልጽ ቅዳሕ ናይቲ ”ሰነድ-ሕሙማን” ክተቕርብ የድልየካ እዩ። ንኡ መሰረት ብምግባር መጽናዕቲ ተኻይዱ ዚወሃበካ ነገር’ዩ። እቲ መጽናዕቲ ዚግበር ድማ፡ ኣብ ሓደ ”ማእከል ክንክን-ሕማም” (vårdcentral) ወይ ”ስነ-ኣእምሮኣዊ ክሊኒክ” እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም “ንተሃድሶ” ምልክትኦም ዘቕርቡ ሰባት፥ ነቲ ምልክትኦም ናብ ሓደ ካብቶም ዘሎዉና ናይ ”ተሃድሶ-ማእከል” (habiliteringscenter) እዮም ዝሰድዎ። ኣብ ኣውራጃ ስቶክሆልም 17 ዝኾኑ ናይ “ተሃድሶ-ማእከላት” ኣሎዉና።

ንስኻ ኣብ (1177.se) ውን ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻ ናይ ምልክታ-ኦርኒክ መሊእካ ውን፥ ናብቲ ትደልዮ ናይ “ተሃድሶ-ማእከል” ክትሰዶ ወይ ውን ብስልኪ ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ካብ ቤተሰብካ ወይ ካብ “ናይ ኤል.ኤስ.ኤስ ፈጻሚት-ጉዳይ” (LSS-handläggare) ወይ ውን ካብ ቴሌፎን-ተርጓማይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብድሕሪ ምልክታ ምቕራብካ ወይ ናይ ”መወከስታ-መልእኽቲ” ምምጽኡ

ብድሕሪ’ቲ ምልክታኻ ምቕባልና ወይ ናይ ”መወከስታ-መልእኽቲ” ምቕባልና፥ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ካባና ናይ መጸዋዕታ ዕድመ (ደብዳበ) ኪልኣኸልካ እዩ።

ዑቕባ-ሓተት’ቲ

ካብ 0-17 ዓመት ዝዕድሚኦም ዑቕባ-ሓተት’ቲ ቆልዑ፥ ወይ ውን መንበሪ-ፍቓድ ዘይብሎም ቆልዑ፥ ነቲ ንህይወቶም ዓቢይ ትርጉም ዘሎዎ ናይ ”ተሃድሶ” ደገፍ ንኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም። 

ዑቕባ ሓተት’ቲ ዓበይቲ ሰባት ወይ መንበሪ-ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ግን፥ ናይ ”ተሃድሶ” ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን።