ዓቕሚ-ኣዳም ምስ በጻሕካ

Svensk version av sidan

እዛ ፍልይቲ ገጽ እዚኣ፡ ንዓኻ ”ዓቕሚ-ኣዳም” ዝበጻሕካ ወይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክትበጽሕ ንዝኾንካ ሰብ ትምልከት’ያ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(När du blir myndig - tigrinja)

ባዕልኻ ክትውስን ምኽኣል

ዕድሜኻ 18 ዓመት ምስ ኮነ፡ ”ዓቕሚ-ኣዳም” በጺሕካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ሽዑ ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ገንዘብካ ባዕልኻ ኢኻ ተመሓድር። ምስ ትካላት ክንክን-ሕማም ውን ባዕልኻ ኢኻ ርክብ ትገብር።

ባዕልኻ ክትውስን ምኽኣል ባህ ዘብል ስምዒት’ዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ባዕልኻ ክትሓስበሎም ዘሎካ ነገራት ውን ኣሎው’ዮም። ባዕልኻ ንዅሉ ክተማልኦ ምስ ዘይትኽእል፥ ሓገዝ ክንገብረልካ ክትሓተና ትኽእል ኢኻ።

ምድላው ምስ ትገብር፡ ነቲ ኩነታት ከቃልሎ’ዩ። ስለዚ ቅድሚ 18 ዓመት ምምላእካ፥ ምስ ወለድኻ ወይ ምስ ካልእ ዓቢ ሰብ ምዝርራብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ምስ ትካላት ክንክን-ሕማም ንምርኻብ

ምስ ትካላት ክንክን-ሕማም ርክብ ትገብርን፥ እንታይ ዓይነት ክንክን-ሕማም ከም ዘድልየካ እትውስንን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። እቲ ዝውሃበካ ሕክምና ብምልኣት ክትርድኦ መሰል ኣሎካ’ዩ። እንተ ዘይተረዲኡካ ግን ንኺገልጹልካ ንሰራሕተኛታት ሕተት።

ዋላ’ኳ ኣቐዲምካ ምስ ”ትሃድሶ” ርክብ እንተ ነበረካ፥ ከም ብሓድሽ ኢኻ ናይ ርክብ ተበግሶ ክትገብር ዚግብኣካ። ናብ ናይ ዓበይቲ “ተሃድሶ-ማእከል” ክትቅይር የድልየካ’ዩ። ምስ ካልኦት ኣብያተ-ሕክምና ብኸመይ ከም ትራኽብ’ውን ሓገዝ ክንገብረልካ ንኽእል’ና።

ትደሊ እንተ ዄንካ ውን፡ ወለድኻ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንወለድኻ ነቲ ናትካ “መዝገብ-ሕሙማን” ንኸንቡዎ ወይ ቆጸራ ንኽሑዙልካ ”ውክልና-ስልጣን” (ፍቓድ) ክትህቦም ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ቤትትምህርቲ ንዚግበር ርክባት ውን ዚምልከት’ዩ። እቲ “ውክልና-ስልጣን” ዘገልግለሉ ናይ ጊዜ ንውሓት፡ ብናትካ ድሌት’ዩ ዚውሰን።

ብዙሓት ዓይነት ርክባት፡ ማለት ምስ ኮሙንን ትካላት ክንክን-ሕማምን ምስ ዚህልዉኻ፥ እቲ “ዝተወሃሃደ ውልቃዊ-መደብ” (SIP - Samordnad Individuell Plan) ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ሽዑ ድማ፡ እቶም ነንበይኖም “ወሃብቲ-ሕክምና” ነንሕድሕዶም እናተዛራረቡ፥ ኩነታትካ ከቃልሉልካ ይኽእሉ እዮም።

”ብዓል-ሕድሪ” (ጉድ-ማን)

ብዙሕ ሓገዛት ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (ጉድ-ማን) ንኺግበረልካ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ “ብዓል-ሕድሪ” ኪህልወካ ዘድሊ ንኣብነት፡-

  • ዕዳታትካ ኪኸፍለልካን ቁጠባኻ ከመሓድረልካን
  • ምስ ትካላት ”ክንክን-ሕማም” ርክብ ኪገብረልካን
  • ምስቲ ኮሙን ርክብ ኪገብረልካን
  • ትደልዮም ንጥፈታት ከዳልወልካን
  • ቁጠባዊ-ሓገዝን ካልእ ካሕሳታት ንምርካብ ምልክታ ከቕርበልካን እዩ።

ይኹን እምበር፡ ንጉዳያት ቁጠባኻን ንጉዳያት ክንክን-ሕማምካን ውሳኔ ትገብር፥ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ወለድኻ ወግዓውያን ”ሰብ-ሕድሪ” (ጉድ-ማን) ኪኾኑኻ ይኽእሉ እዮም። ግን ድማ፡ ካልእ ንስኻ ትኣምኖ ሰብ ውን ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ” (ጉድ-ማን) ኪኾነካ ይኽእል’ዩ።

እንተ ደኣ ”ብዓል-ሕድሪ” (ጉድ-ማን) ዘድልየካ ኮይኑ፥ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር። ንዓና ኣብዚ ”ተሃድሶ” ዘሎና ብኸመይ ከም ተመልክት ክትሓተና ትኽእል ኢኻ።

ክተዛርቦ ትድሊ ሰብ

”ዓቕሚ-ኣዳም” ብምጻሕ የሀንጥየካ’ዩ! ኣብኡ ምብጻሕካ ጽቡቕ ኪስመዓካ ውን ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ኵሉ ኣብ ዙርያኻ ዚኸውን ዘሎ ነገራት ምስ ሰብ ክትዘራረብ’ዶ ምደሌኻ? ምስ ሓንቲ ኣብቲ ”ትሃድሶ” ዘላ ወይ ኣብ ክንክን-ሕማም ዘላ ወይ ”መቕበል-ሕክምና-መንእሰያት” ዘላ ”ኣማኻሪት” (ኩራቶር) ንኽትራኸብ ሕተት።