ንወለዲ ሓበሬታ ብዛዕባ ”ትሃድሶ”

Svensk version av sidan

እዚ ”ተሃድሶን ጥዕናን” (Habilitering & Hälsa) ነቶም ስንክልና ዘሎዎም ቆልዑ ደገፍን ሓገዝን ዚገብር’ዩ። ንዓኻትኩም ወለዲን፡ ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤትን ውን ደገፍ ንገብር ኢና። ኣብዚ ታሕቲ፡ እቲ ደገፍ ብኸመይ ከም ዚግበር ክንገልጽ ኢና። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(För föräldrar om habiliteringen - tigrinja)

ብዛዕባ’ዚ ”ትሃድሶ”

እዚ ”ተሃድሶን ጥዕናን” (Habilitering & Hälsa) ማእከል፥ ነቶም ነንበይኑ ስንክልናታት ዘሎዎም ቆልዑ ይቕበል። ንሳቶም ድማ ኣውቲዝም፡ ጕድኣተ-ኣእምሮ ዘጋጠሞም፡ ስንክልና-ኣተሓሳስባ፡ ምንቅስቓሳዊ-ስንክልናን ወይ ውን ዑረትን-ምጽማማን ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ነቶም ቆልዑ ጽቡቕ ንኺስምዖምን፥ ነገራት ባዕሎም ንፍጻም ከም ዚበቖዑን ንምሕጋዞምን’ዩ። ክሳብ’ቲ ዓቕሞም ከርክቦ ዚኽኣል ማለትና’ዩ።

ብዙሓት ቆልዑ ካብ ሓደ ዶክቶር ወይ ”ስነ-ኣእምሮኛ” ናይ ”መወከስታ-መልእኽቲ” (remiss) ይረኽቡ እዮም። ንስኻ ባዕልኻ ውን ንናይ ውላድካ ”ተሃድሶ” ምልክታ ንምቕራብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ”መወከስታ-መልእኽቲ” (remiss) ወይ ምልክታ ብድሕሪ ምቕባልና፥ ናባኻ ናብ ወላዲ፡ መታን ናብ ሓደ ካብቶ ናይ ”ትሃድሶ-ማእከላትና” ንኽትመጽእ፥ ናይ መጸዋዕተ ደብዳበ ክትቅበል ኢኻ።

ነዚ ”ትሃድሶ’ዚ” ንኽትረክብ ትኸፍሎ ነገር የልቦን።   

ነዚ ዚስዕብ ደግፋት ክትረክብ ኢኻ

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ”፡ ብነንበይኖም ዝኾኑ ነገራት ኪሕግዝ ዚኽእል’ዩ። ንስኻን ንሕናን ሓቢርና ድማ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘድልየካ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና። እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ኣብዞም ዚስዕቡ መዳያት ይስረሕ’ዩ፡-

  • ፍልጠት ብዛዕባ ስንክልና
  • ብግቡእ ዚሰርሕ መዓልታዊ-ህይወት
  • ጥዕናን ልምድታት-ህይወትን
  • ኣካላዊ-ተንቀሳቓስነትን - ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትንቀሳቐስ ምኽኣልን
  • ምትንፋስን ምውሓጥን
  • ቃንዛን ስምዒታዊ-ሃለዋትን
  • ቋንቋን ምውሳእን
  • ዝምድናታትን - ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብ ምኽኣልን
  • ካብ ማሕበረሰብ ዚርከብ ደገፋት
  • ሽግራት-ጠባያት
  • ቤትትምህርቲ፡ ስራሕን ካልእ ዋኒንን
  • ንስድራቤት ዚግበር ደገፍ

ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ፡ ምስ ካልኦት ትካላት ናይ ክንክን-ሕማም፡ ምስ ”ቅድመ-ትምህርቲ” ወይ ውን ቤትትምህርቲ፥ ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ ንገብር ኢና።

እዚ ”ትሃድሶ’ዚ” ብዅሉ ነገራት ይሕግዘካ ማለት ኣይኮነን፥ ንኣብነት መድሃኒት ክንእዝዘልካ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ ኣድላዪ ዝኾነሉ ጊዜ፥ ካልእ ሓገዛት ንምርካብ ንስኻ ናበይ ክትከይድ ከም ዘሎካ ክንነግረካ ኢና።

ብኸምዚ ኣገባብ ደገፍ ንህብ

ብኣካል ክትራኸበና ትኽእል ኢኻ ወይ ውን ብኻልእ ኣገባብ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡-

  • ኣብ ትምህርቲታት ወይ ውን ብጕጅለ ሓቢርካ ምስ ካልኦት ሰባት ብምስታፍ
  • ኣብ ”ትሃድሶ-ማእከላት” ብኣካል ብምምጻእ
  • ኣብቲ ንስኻ ትነበረሉ ቤት ብምምጻእ
  • ኣብ ”ቅድመ-ትምህርቲ” ወይ ኣብ ቤትትምህርቲ ብምምጻእ
  • ብናይ ቴሌፎን ወይ ብናይ ቪድዮ ዚግበር ዝርርባት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ሓበሬታ ነቲ ቆልዓ

እቲ ውላድካ ብዛዕባ’ቲ ዘሎዎ ስንክልና ሓበሬታ ክረክብ የድልዮ እዩ። እቲ ቆልዓ ብተወሳኺ፡ እዚ “ተሃድሶ’ዚ” እንታይ ሓገዝ ኪገብረሉ ከም ዚኽእል ውን ክፈልጥ የድልዮ እዩ።

እቲ(ታ) ውላድካ፡ ብዛዕባ’ቲ ዚግበረሉ ናይ ተሃድሶ ፍወሳ እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎዎ ኪስማዕ ይግባእ’ዩ። ምስቲ ዕድመ ምውሳኽ ናይቲ ቆልዓ ውን ብተወሳኺ፥ ንሱ/ንሳ ብዛዕባ’ቲ ዚግበረሉ ናይ ተሃድሶ መደባት ኣብ ምውሳእ ኢዱ ኪሕውስ ይኽእል’ዩ።

ንስኻ ከም ወላዲ(ት) ዘሎካ መዝነት

ንስኻ/ኺ፡ ከም ወላዲ(ት) መጠን ኣብቲ ጕዳይ ናይ ውላድካ ”ተሃድሶ” ኣገዳሲ ግደ’ዩ ዘሎካ። ንስኻ ኢኻ ነቲ እቲ ውላድካ ዚጻገመሎም ነገራት ብቐረባ እትፈልጦም። ንስኻ ኢኻ ውን ብዝያዳ ንውላድካ ክትተባብዖ ዘድልየካ፥ ንኣብነት ልምምድ ኣብ ምግባር ወይ ኣብ ምጥቃም ”ሓገዝ-መሳርሒ” ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ንስኻ ንውላድካ ክትተባብዖ ንኽትእል ግን፥ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ውን ጽቡቕ ኪስምዓካ የድልየካ’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ንስኻ ውን ከመይ ከም ዘሎኻ ምሳና ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ናይ ወለዲ ጕጅለ ውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታን መዝገብ-ተሓከምቲን

ንሕና እዞም ኣብ ”ትሃድሶ” እንሰርሕ ሰባት፡ ሕጋዊ ዝኾነ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ኣሎና። እዚ ማለት ድማ፡ ንሕና ብዛዕባ ውላድካ ንዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ንነግሮ ሓበሬታ የልቦን።

ንሕና፡ እቶም ነቲ ቆልዓ ዘድልይዎ ሓገዛት፥ ኣየኖት ምዃኖም ኣብ ሓደ መዝገብ ተሓከምቲ ንጽሕፎ ኢና። ንስኻ(ኺ)፡ እቲ ቆልዓ ክሳብ 12 ዓመት ኣቢሉ ዚገብር፥ ነቲ ናይቲ ቆልዓ መዝገብ-ተሓከምቲ ክተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ተርጓማይ

ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ፡ እብቲ ምሳና ትራኸበሉ ጊዜ፡ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ተርጓማይ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ነቲ ኣብ ”ትሃድሶ” ትረኽቦ ሰራሕተኛ ኣቐዲምካ ሓበሬታ ሃቦ።  

እንታይ ርእይቶ ከም ዘሎካ ግለጸልና

በቲ ንሕና ንገብሮ ነገራት ዕግበት ዘይረኸብካ ምስ ትኸውን፥ ብግልጺ ክትነግረና ብኽብሪ ንዕድመካ። ብዛዕባ’ቶም ብዝበለጸ ክመሓየሹ የድልዮም’ዩ ትብሎም ነገራት ውን፥ ናትካ እማመ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።