ንቖልዑን መንእሰያትን ብዛዕባ “ተሃድሶ”

Svensk version av sidan

ናብ’ዚ ናብ ”ተሃድሶ” ብደሓን ምጹ! ንሕና፡ ንዓኻ ስንክልና ዘሎካ ሰብ ሓገዝ ክንህበካ ንኽእል ኢና። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(För barn och ungdomar om habilitering - tigrinja)

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ንዓኻን ንስድራቤትካን ሓገዝ ኪገብር ይኽእል’ዩ። ንሱ ድማ ንኣብነት እንተ ደኣ “ኣውቲዝም”፡ “ስንክልና-ኣተሓሳስባ”፡ “ስንክልና-ምዕባለ” ወይ “ምንቅስቓሳዊ-ስንክልና” ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ንሕና እዞም ኣብ ”ተሃድሶ” እንሰርሕ ሰባት፥ ብዛዕባ ስንክልናታት ልዑል ሞያዊ ፍልጠት ዘሎና ኢና። ንሓና፡ ነቲ ኣብ ገዛኻ ይኹን ኣብ ቤትትምህርቲ ንህይወትካ ከቃልሉካ ብዛዕባ ዚኽእሉ ነገራት ብዙሕ ፍልጠት ኣሎና።

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ብዛዕባ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል?

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” ብዝተፈላለየኡ ብዙሕ ነገራት ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ታሕቲ፡ ገለ ኣብነታት ካብቶም ልምምድ ክትገብረሎም ወይ ሓገዝ ክትረኽበሎም ትኽእል ነገራት እንሆ፡-

  • ንነገራት ክትዝክር ምኽኣል
  • ንጊዜ ክትከታተል ምኽኣል
  • ኣብቲ ነጻ ጊዜኻ እንታይ ዘሐጕሱኻ ነገራት ክትገብር ከም ትኽእል
  • ዓረብያ-ስንኩላን ብኸመይ ከም ትዝውር
  • ምልምማድ ምንቅስቓስ ኣካላትካ
  • ስምዒታት ክትርዳእ ምኽኣል
  • ኣካላትካ ክትዛኒ ምኽኣል
  • ጽቡቕ ክትድቅስ ምኽኣል
  • ነቲ ትደልዮ ነገር፡ ንኽትነግር ወይ ብስእሊ ክተርኢ ምኽኣል
  • ዝሓሸ ርእሰ-ምትእምማን ከም ዚህልወካ ምግባር እዮም።

መጀመርታ ምስ ረኸብናካ፡ እንታይ ክተማልእ ንኽትክእል ወይ ኣብ እንታይ ዝሓሽካ ክትከውን ከም ትደሊ ክንሓተካ ኢና። ንበይንኻ ወይ ምስ ወለድኻ ብሓባር ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ። ገለ እዋን፡ ስንክልና ምስ ዘሎዎም ካልኦት ሰባት ውን ብሓባር ክንረኽበኩም ንኽእል ኢና።

ዘሎዉኻ መሰላት

”ስምምዕ-ሕጻናት” (Barnkonventionen) ኣብ ሽወደን ከም ሕጊ ኮይኑ ዝተወስደ እዩ። እቲ ሕጊ’ቲ ድማ፡ ዓበይቲ ነቲ ንቖልዑን መንእሰያትን ጽቡቕ ዚበሃል ነገር ክሓስቡሉ ኣሎዎም፡ ዚብል’ዩ። ንሳቶም፡ ቆልዑ እንታይ ኪብሉ ከም ዝደልዩ ክሰምዕዎም ይግባእ፡ ዚብል’ዩ።

ዘይተረድኣካ ነገር ምስ ዚህሉ፡ ነቶም ዓበይቲ ኪገልጹልካ ሕተቶም። ጌጋ ኮይኑ ንዝተሰምዓካ፡ ኣይፋል ክትብል መሰል ኣሎካ።

እቲ ንስኻ/ንስኺ ዝነገርካና ንኻልእ ክንነግር ኣይፍቀደልናን ኢዩ። እዚ ድማ ”ሕጋዊ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ንኻልኦት ክትነግሮም ትደሊ እንታይ ኣሎ?

ብዛዕባ’ቲ ዘሎካ ስንክልና ንኽትዛረብ ምውሳንካ፥ ጽቡቕ ኪስመዓካ ይኽእል እዩ። ንብምሉኦም ኣብቲ ክፍልኻ ዘሎዉ ተመሃሮ ክትነግሮም ትደሊ’ዶ? ወይ ነቶም ኣዝዮም ተቕርቦም ኣዕሩኽትኻ ጥራይ’ዶ? ክትገልጽ ከሎኻ ነየኖታ ቃላት ኢኻ ክትጥቀም ትደሊ?

ብዛዕባ’ዚ ምሳና ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ቃል ክትጥቀም ከም ዝሓይሽ ክንሕግዘካ ኢና።