ኣብዚ ”ትሃድሶ” ዚሰርሑ ከመይ ዝኣመሰሉ’ዮም?

Svensk version av sidan

ኣብዚ ታሕቲ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብዚ ”ትሃድሶ” ዚሰርሑ ሰብ ሞያ - ከመይ ዝኣመሰሉ ምዃኖም ክተንብብ ኢኻ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(Vilka jobbar på habiliteringen? - tigrinja)

ስነ-ተግባራዊ ፍወሳ Arbetsterapeut

ሓደ ሞያዊ ”ስነ-ተግባራዊ ፍወሳ”፡ ነቶም ዘሎዉኻ ልሙዳት መዓልታዊ ንጥፈታት ብዝበለጸ ከም ዚስርሑ ንምግባር ኪሕግዘካ እዩ። ሓቢርኩም ድማ፡ ንስኻ ባዕልኻ ዝበዝሐ ነገራት ክተማልኣሉ ትኽእል፥ ሓደስቲ ኣተገባብራ ነገራት ክትምህዙ ኢኹም። ንኣካላት ይኹን ንኣእምሮ ዚሕግዙ፡ ብልሂታት (smarta) ”ሓገዝ-መሳርሒታት” ኣሎዉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኮምፕዩተር ዘሎ ምንባብ ዚኽእል ፕሮግራም ወይ ውን ቆጸራታትካ ንምክትታል ዚሕግዝ ሰዓት ውን ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

“ኣካላዊ-ፍወሳ” - “ኣንቃሳቓሲ-ሕሙማን” Fysioterapeut - sjukgymnast

ሓደ ሞያዊ ”ኣካላዊ-ፍወሳ”፡ ብዙሕ ብዛዕባ ኣካላት-ሰብ ፍልጠት ዘሎዎ’ዩ። ምስ’ዚ ሞያዊ ”ኣካላዊ-ፍወሳ” ኴንካ፡ ነንበይኖም ዓይነት ኣካላዊ-ምንቅስቓሳት ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ጕልበትካ ንምሕያል ወይ ውን ሰንከልክል ከይትብል ሚዛን ኣካላትካ ንምምሕያሽ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ገለ ሰባት፡ ነቲ ዚስምዖም ቃንዛ ንምጕዳል ወይ ውን ነገራት ብገዛእ ርእሶም ንኸማልኡ ልምምድ ንምግባር ዘድልዮም እዮም። ገለ እዋናት ”ሓገዝ-መሳርሒ” ዘድልየሉ ኩነታት ኣሎ’ዩ። ”ስነ-ተግባራዊ-ፈዋሲ” (Fysioterapeuten) ”ኣንቃሳቓሲ-ሕሙማን” (sjukgymnast) ውን ይስመ’ዩ።

ወሃቢት-ምኽሪ Kurator

ሓንቲ ”ወሃቢት-ምኽሪ” (kurator) ካብ ሕብረተሰብ እንታይ ሓገዝ ኪግበረልካ ከም ዚኽእል ብዙሕ ፍልጠት ዘሎዋ እያ። ንስኻ ንገዛእ-ርእስኻ ወይ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ ህይወቱ ምልውዋጣት ኣጋጢሙዎ፥ ምኽሪ ወይ ደገፍ ዘድልዮ ኪህሉ ይኽእል’ዩ። ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘሎ ጕብዝናን/ጕርዝውናን ወይ ውን ኣብ ናይ በጽሕነቶም ጊዜ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ኣብያተ-ስልጣን ዘድሊ ምርኻብ ወይ ኣብ ሓድሕዳዊ-ዝምድናታት ውን ኪኸውን ይኽእልዩ። እዛ ”ወሃቢት-ምኽሪ” ጽን ኢልካ ኣብ ምስማዕን ኣብ ምሕጋዝን ጽቡቕ ክእለት ዘሎዋ እያ።   

“ፈዋሲ ስነ-ምዝራብ” Logoped

ሓደ ”ፈዋሲ ስነ-ዘረባ” (logoped)፡ ኣመሓይሽካ ብኻልእ ኣገባብ ንኽትዛረብ ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። ንኻልኦት ሰባት፡ ንስኻ እንታይ ትደሊ ወይ እንታይ ትሓስብ ከም ዘሎኻ፥ ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎን ክተርእየሉ ትኽእል፥ ብዙሓት ኣገባባት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ዝተቐድሐ ቋንቋ፡ ምልክታዊ-ቋንቋ ወይ ስእሊታት ክትጥቀም ይክኣል’ዩ። ሓደ “ፈዋሲ ስነ-ዘረባ”፡ እቲ ልክዕ ንዓኻ ዘድሊ “ሓገዝ-መሳርሒ” ንኽትረክብን፥ ከመይ ጌርካ ውን ከም ትለማመዶን ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። ጸገማት ናይ ምዅላስን ናይ ምውሓጥን ምስ ዚህውለካ ውን፥ ካብ ሓደ “ፈዋሲ ስነ-ዘረባ” ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

“ስነ-ኣእምሮኛ” Psykolog

ምስ ሓደ ”ስነ-ኣእምሮኛ”፡ ብዛዕባ’ቶም ዘሎዉኻ ውሽጣዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሞያዊ ”ስነ-ኣእምሮኛ”፡ ጽን ኢልካ ኣብ ምስማዕ ንፉዕ(ቲ) እዩ፤ ዋላ’ኳ እቲ ክትነግሮ ትደሊ ከቢድን ኣጻጋሚን ውን እንተ ኾነ። ብዛዕባ እንታይ ክትዛረብ ከም ትደሊ፡ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። እቶም ቤተሰብካ ውን ምስ ሓደ ሞያዊ ”ስነ-ኣእምሮኛ” ምዝራብ ከድልዮም ዚኽእለሉ ኵነታት ኣሎ’ዩ። ሓደ ሞያዊ ”ስነ-ኣእምሮኛ” መጽናዕቲ ውን ከካይድ ይኽእል’ዩ።

“ፍሉይ ስነ-መምህር” Specialpedagog

ሓደ ፍሉይ ”ሞያዊ ስነ-ምምህር” ሰብ፥ ሓደስቲ ነገራት ከመይ ጌርካ ብቐሊሉ ክትመሃሮም ከም ትኽእል ዚሰርሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ብሓገዝ መጻወቲ ባምቡላታት ወይ ውን ብኻልእ ኣገባብ ከመይ ጌርካ ብቐሊሉ ሓሳብካ ክትእርንብ ከም ትኽእል ንምግባርካ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ፍሉይ “ሞያዊ ስነ-ምምህር’ዚ”፥ ባህ ብዚብል ኣገባብ ኪገብሮ ይኽእል’ዩ። ሓቢርኩም ድማ፡ እቲ ንዓኻ ዝሓሸ’ዩ ትብሎ ኣጋባብ ኣየናይ ምዃኑ ክትበጽሕዎ ኢኹም። እዚ ፍሉይ “ሞያዊ ስነ-ምምህር’ዚ”፥ ኣብ ቤትትምህርትኻን ኣብ ቤትካን ንዘሎ ኵነታት ብግቡእ ንኺሰርሓልካ ውን ኪቋመት ዚኽእል ሰብ’ዩ።