ንስኻ ስንክልና ዘሎካ ሰብ - ብዛዕባ ውላድ ዘሎዉኻ ምዃንን

Svensk version av sidan

ስንክልና ዘሎካ ሰብ ኴንካ ውላድ ምስ ዚህልዉኻ፥ ብዛዕባ’ቲ ዘሎካ ስንክልና ምስ ውላድካ ምዝርራብ ጽቡቕ’ዩ። እዚ ድማ ንክልቴኹም ሓባርዊ ምርዳእ ስለ ዝፈጥረልኩም፥ ነቲ መዓልታዊ ህይወትኩም ዘቃልለኩም እዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ (ብቐሊሉ ዚንበብ) ዝተጻሕፈ እዩ።

(Om du har barn och har funktionsnedsättning - tigrinja)

ወለዲን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን፥ ንናይ ቆልዑ ሓሳባት ከቕልቡሉን ሕቶታቶም ውን ኪሰምዕዎምን ዚግባእ’ዩ። ምስ ውላድኻ ብዛዕባ’ቶም ዘሎዉኻ ስንክልናታት ክትዘራረብ ጽቡቕ እዩ።

ብዛዕባ’ቶም ነንበይኖም እቲ ስንክልና ነቲ ስድራ ቤት ኪፈጥረሉ ዚኽእል ጽልዋታት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ትጭነቐሉ ጊዜ እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል ምግላጽ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ቆልዓ ውን ንኣዕሩኽቱን ንኻልኦት ሰባትን ንምግላጽ መታን ኪኽእል፥ ነቲ ዘሎ ኵነታት ንባዕሉ ውን ኪርድኦ የድሊ እዩ።

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ” እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል?

እዚ ”ተሃድሶ’ዚ”፡ ብዛዕባ’ቲ ዘሎካ ስንክልና ንውላድካ ብኸመይ ከም ትነግሮ ክንትሓባበረካ ንኽእል ኢና። ንሕና ምሳኻ ወይ ምስ ውላድካ ወይ ንክልቴኹም ብሓባር ክነዘራርበኩም ንኽእል ኢና። እዚ ግን፡ ብኸመይ ኪግበር ከም ትደልይዎን፥ እቲ ናይቲ ቆልዓ ዕድመን፡ ወሳኒ እዩ።

ካብ’ዚ ናይ ”ትሃድሶ” ወጻኢ ዝኾነ ዝሰፍሐ ደገፋት ዘድልየኩም ምስ ዚኸውን፥ ብኸመይ ክትረኽብዎ ከም ትኽእሉ፥ ሓበሬታ ብምሃብ ክንሕግዘኩም ኢና። ንሱ ድማ ንኣብነት፡ ምስ ”ክንክን ስነ-ኣእምሮ ቆልዑን መንእሰያትን” (BUP) ወይ ”ማእከል ክንክን-ሕማም ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ሕቲ ሕጊ እንታይ’ዩ ዚብል?

እቲ ”ሕጊ ሃለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን” ከም ዚብሎ፥ ቆልዑ ሓበሬታን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም። ኵሎም’ቶም ኣብ ኣብያተ-ሕክምና ዚሰርሑ ሰባት ድማ ነዚ ነገር’ዚ ምሃብ ኪኽእሉ ኣሎዎም።

”ስምምዕ-ሕጻናት” (Barnkonventionen) ከም ዚብሎ፥ ኵሎም ቆልዑ፡ ኣብቲ ንዓኣቶም ዚትንክፍ ጉዳያት ኵሉ፡ ንሳቶም ውን ርእይትኦም ንኺህቡሉ፡ መሰል ኣሎዎም እዩ።

ንሕና እዞም ኣብ ኣብያተሕክምና ንሰርሕ ሰባት፡ መታን ነቶም ቆልዑ ክንሕግዘኦም ክንክእል ብማለት፥ ንዅሎም’ቶም ናባና ዝመጹ ሰባት፥ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ኣሎዉኹም’ዶ? ኢልና ንሓቶም ኢና። ናይ ገዛእ ርእስኻ ቆልዑ ወይ ናይ ስድራቤትካ ካልኦት ቆልዑ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ሕቶታት ምስ ዚህልወካ

ብዛዕባ ቆልዑ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስ ሓደ ሰብ ካብቲ ንስኻ ትኸዶ ናይ ”ትሃድሶ-ማእከል” ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ሓደ (ሓንቲ) ”ወኪል-ቆልዑ” (barnombud) ውን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ናይ ዓበይቲ ”ትሃድሶ-ማእከል”፥ ሓደ ”ወኪል-ቆልዑ” ውን ኣሎ እዩ።