ኣካላዊ ንጥፈታት ብኸምዚ ይጸልወና (Så påverkas vi av fysisk aktivitet)

Till svensk text

መዓልታዊ ምንቅስቓስ ጽቡቕ እዩ። ሽዑ ክልቲኦም ልብን ሓንጎልን ብዝበለጸ ይሰርሑ። ትሕይልን ዝያዳ ጽንዓት ትረክብን። ብተወሳኺ ሕጉስ ክትከውንን ህድኣት ክትረክብን ዝሓሸ ድቃስ ክትረክብን እዉን የኽእለካ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥዕናኻ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣብ’ዚ ክንነግረካ ኢና።

ሳንቡእን ኣካላዊ ብቕዓትን

ብቕልጡፍ ክትከይድ ወይ ክትጎዪ ከለኻ፡ ትንፋስ ክሓጽረካ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣካላትካ ዝያዳ ኦክስጅን ስለ ዘድልዮ እዩ። ቀልጢፍካ ተትንፍስን ዝያዳ ኣየር ናብ ሳንቡእካ ይኣቱን፡ እዚ ድማ ​​ደምካ ዝያዳ ኦክስጅን ከም ዝረክብ ይገብሮ። ልብኻ ብቕልጡፍ ትሃርም። ዝያዳ ኦክስጅን ዘለዎ ደም ድማ ናብ ጭዋዳታት ትጭንጉዕ።

እዞም ሳዕቤናት እዚኦም ንኣካላትና ጽቡቕ እኳ እንተዀኑ፡ ድሕሪ እቲ ምውስዋስ ኣካላት ግን ቀልጢፎም እዮም ዝጠፍኡ። ነዞም ኣወንታውያን ሳዕቤናት ንምዕቃብ፡ ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ኣለካ። እዚ ምንቅስቓስ ትንፋስ ዘስእንንን ህርመት ልቢ ዘወስኽን ክኸውን ይግባእ። እዚ ናይ ኣካላዊ ብቕዓት ምውስዋስ ወይ  ካርዲዮ ይበሃል።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብስሩዕ ምስ ተዘውትር፡ ሳንቡእካ ትሕይልን ዝያዳ ኦክስጅን ድማ ክትወስድ ትኽእል። ሽዑ ዝሓሸ ጽንዓትን ኣካላዊ ብቕዓት ክትረክብ ትኽዕል። ብቕዓትካ እናተመሓየሸ ምስ ዝኸይድ፡ እዞም ኣወንታውያን ሳዕቤናት ዋላ ኣብ እተዕርፍሉ እዋን እውን ይቕጽል እዩ። ጽቡቕ ኣካላዊ ብቕዓት ዝሓሸ ጥዕና፡ ዓይነታዊ ህይወትን ሕጉስ መንፈስን ይህብ። ብብዙሓት ከበድቲ ሕማማት ንኸትጥቃዕ ዘሎ ሓደጋ ይንክዮ።

ልብን ሰራውር ደምን

ምንቅስቓስ ኣካላት ንልብን ንሰራውር ደምን ጽቡቕ እዩ። ንስራሕ ልቢ የመሓይሽ፣ ሓደስቲ ሰራውር ደም ንምፍጣር ይሕግዝን መጠን ስብሕትታት ደምን(ኮሌስተሮልን) ጸቕጢ ደምን የማሐይሽ።  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህርመት፡ ልቢ እንዳ ሓየለት ትኸይድን ዝያዳ ደም ድማ ትጭንጉዕ። ከተዐርፍ ከለኻ ድማ ልቢ ሒደት ትሃርም።

ዝሓሸ ኣካላዊ ብቕዓት ማለት ኣብ ዕረፍቲ ዝወሓደ ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን  ማለት እዩ። ኣብ ልቢ ዝህሉ ጾር ብምንካይ፡ ሓደጋታት ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ይንኪ። ምንቅስቓስ ኣካላት ሓደስቲ ሰራውር ደም ንምፍጣር እውን ይሕግዝ፣ እዚ ድማ ዋሕዚ ደም ይውስኽን ጭዋዳታት ዝያዳ ኦክስጅን ይረኽቡን።

ምንቅስቓስ ኣካላት ኣብ ደም ዝርከብ መጠን "ሕማቕ" ኮሌስትሮል ክጎድል እንከሎ፡ ነቲ "ጽቡቕ" ኮሌስትሮል ድማ ከም ዝውስኽ ይገብሮ። ነቶም ኣብ ደም ዘለዉ ኦክስጅን ዝሓዙ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እውን ከም ዝውስኹ ይገብሮም።

ኢንሱሊን፡ ሽኮር ደም ዝቆጻጸር ሆርሞን እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ከለኻ ውሑድ ኢንሱሊን የድልየካ። እዚ ድማ 2ይ ዓይነት ሽኮርያ ንኸየጋጥም ይከላኸል።

ጭዋዳታት

ጭዋዳታትካ ክትጥቀመሎም ከለኻ ኣብ ኣካልካ ብዙሕ ነተራት ይፍጸም። ናህሪ ህርመት ልቢ ይውስኽ፡ ልቢ ዝያዳ ደም ትጭንጉዕ፡ ቀልጢፍካ ተተንፍስን ዝያዳ ሆርሞናት ይፍነዉ። ብእግርኻ ምኻድ፡ ምጉያይ፡ ምስካም፡ ርእስኻ ምጥዋይ፡ ኣብ ትወድቀሉ እዋን ነብስኻ ምክልኻል ዝኣመሰሉ ነገራት ንምግባር ጭዋዳታት የድልዩኻ። ድልዱላት ጭዋዳታት ንኣዕጽምትኻ እውን ይከላኸልሉ እዮም።

ጭዋዳታት ዓጽሚ በቶም ኣብ ጽሕጎ ጭዋዳታት ዝርከቡ ዋህዮታት ጭዋዳ ይምስርሑ። ንኣብነት፡ ንሓደ ነገር ንምሓዝ ኢድካ ምስ እትዝርግሕ፡ ሓንጎል ናብ ዋህዮታት ጭዋዳታት ንኽውጠሩ መልእኽቲ ይልእኽ። ነብስኻ ዝያዳ ምስ ተህልኻ፡ ዝያዳ ጽሕጎታት ጭዋዳ ድማ ይበራበሩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ እትገብር፡ ጭዋዳታትካ ይሕይሉ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ተመሳሳሊ ነገር ምስ እትገብር፡ ዝቐለለ ኮይኑ ይስመዓካ። እቶም ጭዋዳታት ጸዓት ኣብ ኣጠቓቕማ እውን ስለ ዝመሓየሹ፡ ከይደኸሙ ንነዊሕ እዋን ክሰርሑ ይኽእሉ። ድሕሪ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ጭዋዳታት ንኽሕይሉ ዕረፍቲ የድልዮም።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ከለኻ ኣብ ኣካላትካ ሓያሎ ነገራት ይፍጸሙ።

  • ከም ሆርሞን ዕብየትን ቴስቶስትሮንን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ይውስኹ፡ እዚ ድማ ጭዋዳታት ንኽዓብዩ ይሕግዝ።
  • ዝያዳ ማይቶኮንድርያ (ናይ ዋህዮታት መመንጨዊ ሓይሊ) ይፍጠሩ፣ እዚ ማለት ድማ ​​እቶም ጭዋዳታት ጸዓት ብዝበለጸ ክጥቀሙን ንነዊሕ እዋን ክሰርሑ ዓቕሚ ይህልዎም።
  • ስርዓተ መትኒ ብዙሓት ጽሕጎ ጭዋዳታት ኣብ ምብርባር ዘለዎ ዕዮ የማሕሾ። እዚ ድማ ዝያዳ ሓይልን ፍጥነትን ይህብ።
  • ኣካላትና ነቶም ብምውስዋስ ኣካላትና ዝፍጠሩ ሓደገኛ ዘይኮኑ ንኣሽቱ መጉዳእትታት ጽሕጎ ጭዋዳታት ይጽግኖምን የሐይሎምን። ድሕሪ ቁሩብ መዓልትታት ዝጠፍእ ቃንዛ ምውስዋስ ኣካላት ይስመዓካ። 

ምሕላው ሚዛንን ምውህሃድ ኣካላትን

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምሕላው ሚዛንካን ምውህሃድ ኣካልካን የመሓይሽ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ዋሕዚ ደም ኣብ ሓንጎል ስለዝውስኽን ሜታቦልነት ስለዝመሓየሽን እዩ። ድልዱል ጭዋዳታት እንተሃልዩካ ምሕላው ሚዛንን ምውህሃድ ኣካልን እዉን ይመሓይሽ እዩ።

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ተዘውትር፡ ዓቕሚ ግብረ መልስኻ ይመሓየሽን   ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ድማ ይንኪ።

ምሕላው ሚዛን ኣብ ገዛኻ ብቕሊሉ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ውጽኢት ንምርካብ ኣብ ሰሙን ካብ 2-3 ግዜ ናይ ምሕላው ሚዛንን ናይ ሓይልን ልምምዳት ክትገብር የድሊ።

ንምሕላው ሚዛን ዝኸውን ልምምዳት

ነቲ ክብደት ኣሰጋግሮ – እግርኻ ኣግፊሕኻ ደው በል እሞ (ነቲ ክብደት ካብ ሓንቲ እግርኻ ናብቲ ካልእ እግርኻ ኣሰጋግሮ። ካብ 8 ክሳብ 12 ግዜ ድገሞ።

ሚዛንካ ሓሊኻ ምጉዓዝ – ኣብ መሬት ዝተጣበቐ ሕንጻስ መስመር ተኸቲልካ ኺድ። እቲ ምውስዋስ ኣካላት ቀሊል ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ፡ ነቲ ርሕቀት ክትውስኾ ትኽእል ኢኻ።

በጻብዕቲ እግርኻን ሸኾናኻን ምጉዓዝ – ንቑሩብ ብሸኾናኻ ተጓዓዝ፡ ድሕሪኡ ብኣጻብዕቲ እግርኻ ምጉዓዝ። እንተ ተኻኢሉ ነቲ ርሕቀት ወስኾሉ።

ብሓንቲ እግርኻ ደው በል – ብሓንቲ እግርኻ ደው ኢልካ ብእግርኻ ኣብ ኣየር ቊጽሪ 8 ስኣል። ነዚ በታ ካልአይቲ እግርኻ ድገሞ።

ከስዐን መዓንጣን

ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ንከብዲ ብብዙሕ መገዲ ይጸልዎ። መዓናጡኻ ዝያዳ ምስ ዝንቀሳቐሱ፡ ሓደጋ ድርቀት ይንኪ። እዚ ንክልቲኡ ንናይ ካርድዮን ንናይ ሓይልን ምውስዋስ ይምልከት።

ምውስዋስ ኣካላት ነቶም ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ሚልዮናት ባክተርያን ንኣሽቱ ተሃዋስያንን ዝኾኑ ፍሎራ መዓንጣ እውን ይጸልዎም እዩ። ብስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ዝገብሩ ሰባት ካብቶም ዘይገብሩ ዝሓሸ ፍሎራ መዓንጣ ኣለዎም። ምንቅስቓስ ኣካላት ንስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ወሓዚ ደም ብምውሳኽ ነቲ ምሕቃቕ መግቢ የማሕሾ። እቲ መግቢ ብዝበለጸ ተበታቲኖም ነቲ ካብኦም ዝርከብ መኣዛታት ድማ ብመዓንጣ ገይሮም ናብ ደም ንኽለኣኹ ይሕግዝ።

ኣካላዊ ምውስዋስ ኣብ ኣካላትና ንዝፍጠር ነድሪ እውን የጉድሎ እዩ። ምውሳኽ ዑደት ደምን ምምራት ነድሪ ዘቕህሙ ባእታታትን ነቲ ኣብ መዓንጣ ዝፍጠር ጸገማት ንምፍዋስ ይሕግዝ። እዚ ንኣብነት ተኣፋፊ መዓንጣ (IBS) ወይ ሕማም ነድሪ መዓንጣ (IBD) ምስ ዝህልወካ ክኸውን ይኽእል። ምውስዋስ ኣካላት ነቲ ንከስዐን መዓንጣን ሕማቕ ዝኾነ ናይ ነዊሕ እዋን ጸቕጢ(ስትረስ) እዉን ይቕንሶ እዩ።

ስነ-ኣእምራዊ ጥዕናን ርእሰ ተኣማንነትን

ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ከማሓይሽ ይኽእል እዩ። ምውስዋስ ኣካላት ጭንቀትን ቅዛነትን እውን ከጉድል ይኽእል እዩ።

ኣካላዊ ምውስዋስ ክትገብር ከለኻ ሓንጎልካ ኣብ ስሚዒት እወታዊ ጽልዋ ዘለዎም ኤንዶርፊን ዝበሃሉ ባእታታት ይፍኑ። ኣካላዊ ምውስዋስ ምስ ወዳእካ፡ እዞም ኤንዶርፊን ናይ ሓጎስን ደስታን ስምዒት ክፈጥሩ ይኽእሉ።

ኣካላዊ ምውስዋስ ኣብ ስምዒትካን መንፈስካን ዝጸሉ መጠን ሴሮቶኒንን ዶፓሚንን እውን  ከም ዝውስኹ ይገብሮም እዩ። ልዑል መጠን ናይዞም ንጥረ ነገራት ንጭንቀትን ቅዛነትን ከጉድሎም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ኣካላዊ ምውስዋስ ሓንጎልና ዝያዳ ተዓጻጻፊ ንኽኸውን ስርዓተ ጸቕጢ ኣካላትና ድማ ዝያዳ ንኽሕይል ይሕግዝ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሕማም ኣእምሮ ምስ ጸገማት ድቃስ ዝተኣሳሰር እዩ። ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ብፍላይ ድማ ካርዲዮ ድቃስ የማሕሽን ጽቡቕ ድቃስ ከም ዝህልወካ ክገብር ይኽእል።

ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ሓቢሮም ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር የሐጉሶም፣ ንኣብነት ኣብ ጂም ወይ ኣብ ናይ እግሪ ጉዕዞ። ምስ ካልኦት ሓቢርካ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር ካብ ናይ ጽምዋ ስምዒት ሳዕቤን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ዝሓየልካ፡ ዝቐልጠፍካ ወይ ዝያዳ ዝጸንዓኻ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላትካ ናይ ምቁጽጻር ስምዒት ክህበካ ይኽእል። ርእሰ ተኣማንነትካ ከዕቢ ይኽእልን ኣብ ካልኦት መዳያት ህይወት ድማ እወታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ።

ወጥሪ(ስትረስ)

ስሩዕ ኣካላዊ ንጥፈታት ምግባር ወጥሪ(ስትረስ) ንኽትቆጻጸሮ ይሕግዝ። ምውስዋስ ኣካል፡ ሓንጎልን ኣካላትን ወጥሪ ዝመልኦ ኩነታትን ከባቢታትን ከመይ ገይሩ ግብረመልሲ ከም ዝህበሉ ይጸልዎ።

ምውስዋስ ኣካል ነቲ ወጥሪ ዝፈጥሮ መጠን ሆርሞን ኮርቲሶል ይንክዮን ኣብ ኣካላትና "ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር ሆርሞን" ኤንዶርፊን ከም ዝውስኽ ይግብሮ። ኣብ እዋን ምውስዋስ ኣካላትን ድሕሪ ምውስዋስ ኣካላትን ኤንዶርፊን ምስ ዝውስኽ፡ ህድኣትን ዝሓሽካን ኮይኑ ይስምዓካ። እዚ ኤንዶርፊን ነቶም ከም ጭንቀትን ቅዛነትን ዝኣመሰሉ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ወጥሪ ዝስዕቡ ኣሉታውያን ስምዒታት ይጻረዶም እዩ።

ድቃስ

ምውስዋስ ኣካላት ነቶም ድቃስ ክድቅሱ ዘጸግሞም ወይ ውሑድ ሰዓታት ዝድቅሱ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ምውስዋስ ኣካላት ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ፡ ጽቡቕ ናይ ድቃስ ረምታ ኣብ ምርካብ፡ ወጥሪ ኣብ ምንካይን ድቃስ ኣብ ምምሕያሽን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ብርሃን ኣብ ዘለዎ ኣካላዊ ምውስዋስ ምስ ትገብር፡ እቲ ሜላቶኒን ዝበሃል ሆርሞን ይውስኽ። ኣብ መንጎ ድቃስን ንቕሓትን ዘሎ ረምታ ኣካላት ይቆጻጸር። ብፍላይ ለይቲ ድቃስ ክወስደካ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ ሜላቶኒን ኣገዳሲ እዩ።

ምውስዋስ ኣካል ስርዓተ መትኒ ንኽሃድእ እዉን ስለ ዝሕግዞ በዚ ድቃስ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ድቃስ እውን ይመሓየሽ እዩ ብፍላይ ዓሚቕ ድቃስ። ሓንጎልን ኣካላትን ናብ ንቡር ንኽምለስ ዓሚቕ ድቃስ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ድማ ዝያዳ ንቑሕን ትጉህን ኮይኑ ይስምዓካ።

ኣተኲሮን ዓቕሚ ምዝካርን

ምውስዋስ ኣካላት ዋሕዚ ደም ኣብ ሓንጎል ከም ዝውስኽ ይገብሮ። ዝርገሐ ኦክስጅን የመሓይሽን ዋህዮታት መትኒ ዘድልዮም መግቢ ይውስኽን፡ ሓንጎል ድማ ካብ ነቶም ጎዳእቲ ባእታታት ንኸወግዶ ይሕግዝ። እዚ ድማ ናይ ምትኳርን ናይ ምዝካርን ዓቕኻ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ይገብሮን ሓደስቲ ነገራት ብቐሊሉ ንኽትመሃር የኽእለካ።

ከም ምሕንባስን ብእግርኻ ምኻድን ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ምውስዋስ ኣካላት እውን ፍርያት ዶፓሚንን ሴሮቶኒንን ክብ የብልዎ እዮም። እዞም ሆርሞናት ንኣተኩሮን ዓቕሚ ምዝካርን ኣገደስቲ ዝኾኑ ባእታታት እዮም።

ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት፡ ሓንጎል ናይ ምቕያርን ምትዕጽጻፍን ዓቕሙ ከም ዝውስኽ ይገብሮ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓደስቲ ዋህዮታት መትኒ ንኽፍጠሩ የነቓቕሕ እዩ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቃንዛ

ቃንዛ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቃንዛ ምስ ዝህልወካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ትገብር ጽቡቕ እዩ። ድሕሪ እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣካልካ "ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥር ሆርሞን" ኤንዶርፊን ስለ ዝፍኑ፡ እዚ ከም ናይ ኣካል ገዛእ ርእሱ መዐገሲ ቃንዛ ኮይኑ ይሰርሕ። ዋላ ሓንሳብ ጥራይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ትገብር፡ ብኡንብኡ እቲ ቃንዛ ዝነከየ ኮይኑ ይስመዓካ።

ናይ ነዊሕ እዋን ቃንዛ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ነድሪ ኣካላት ዝተኣሳሰር እዩ፡ ንኣብነት ረውማቲዝም። ምውስዋስ ኣካል መጠን ናይ’ቶም ነድሪ ዝፈጥሩ ባእታታት ይንክዮን ነድሪ ዝቃወሙ ንጥረ ነገራት ባእታታት ዝያዳ ከፍሪ ይኽእል።

ካልእ ጠንቂ ቃንዛ ድማ ኣካላትና ምዕሩይ ብዘይኮነ ኣገባብ ምስ ዝህልኽ እዩ። ወይ ድማ እቶም ጭዋዳታት ክትቆጻጸሮም ብዘይትኽእል ኣገባብ ምስ ዝውጠሩ ክኸውን ይኽእል። ስሩዕ ምንቅስቓስን ምውስዋስ ኣካልን ጭዋዳታት ንኽዛነዩ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።

ምውስዋስ ኣካላት ምስ ተዘውትር፡ ጭዋዳታትካ ይሕይሉ። እቶም ጭዋዳታት ንኣዕጽምትን መላግቦታ ኣዕጽምንትን ስለ ዘብሪዎም፡ ነቲ ቃንዛ ክንክይዎ ይኽእሉ።

ምውስዋስ ኣካላት ምስ ንገብር ነቲ ዝስመዓና ቃንዛ ይጸልዎ እዩ።  ሓንጎል ነቶም ናይ ቃንዛ መልእኽትታት ብዝሓሸ ኣገባብ ክኣልዮ ይኽእል። እዚ ማለት ድማ ​​ዋላ’ኳ ጠንቂ ቃንዛ እንተ ዘይተኣለየ፡ እቲ ቃንዛ ክንኪ ይኽእል እዩ።

ቃንዛ ብድኻም፡ ብወጥርን ብጭንቀትን ይጽሎ። ምውስዋስ ኣካላት ምስ ተዘውትር፡ ዝሓሸ ድቃስን ሒደት ወጥርን ክስምዓካ ይኽእል። ምንቅስቓስ ኣካላት ንጭንቀትን ንቅዛነትን ክቕንሶም ይኽእል እዩ።

ኣዕጽምቲ፡ ጅማውትን መላግቦ-ዓጽምን

ኣስኬረንካ ብኣዕጽምቲ እዩ ተሰሪሑ። ድልዱል ኣዕጽምቲ ምስ ዝህልወካ ሓደጋታት መስበርቲ ዓጽሚ ድማ ይንኪ። ኣዕጽምትኻ ብምህላኽ ከተደልድሎ ትኽእል ኢኻ። ከቢዲ ነገር ምስፍሳፍ፡ ኤሮቢክስ፡ ቦሊቦልን ኲዕሶ እግርን ኣዕጽምቲ ዘደልድሉ ምውስዋሳት ኣካል እዮም። ብእግሪ ምኻድ እዉን ጽቡቕ እዩ። ኣድማዕነቱ ግን ማዕረ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣይኮነን።

ከቢድ ክብደተ ምልዓል ኣጸጋሚ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል እዩ እንተኾነ ግን ዝኸበደ ምስ ተልዕል ኣዕጽምትኻ ድማ ዝደልደለ ይኸውን። ኣእጋርካ ዘሊሉ ምስ ባይታ ምስ ዝጋጮ ወይ ኲዕሶ ምስ ዝቐልዕ፡ ኣብ ፈለማ ምናልባት ዘይምሽው ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን ኣዕጽምትኻ ብዝበለጸ ክጻወሮ ይኽእል።

ስሩዕ ምውስዋስ ኣካል ብፍላይ ድማ ናይ ሓይሊ ምውስዋስ ነቶም ጅማውትን መላግቦ ዓዕጽምትን ዝያዳ ሓያላትን ተዓጻጻፍን ይገብሮም። እዚ ሓደጋታት መጉዳእቲ ይቕንሶ። ምውስዋስ ኣካል ነቶም ንጅማውትን መላግቦ-ኣዕጽምትን ኣገደስቲ ዝኾኑ ፍርያት ኮላጅን ዝያዳ ከም ዝመርቱ ይገብር።

ምውስዋስ ኣካላት፡ ዑደት ደም ኣብ መላእ ኣካል፡ ወላ’ውን ኣብ ጅማውትን መላግቦ-ኣዕጽምትን፡ ብዝበለጸ ንኽዝርጋ ይሕግዝ። ጽቡቕ ዑደት ደም መጉዳእቲ ኣብ ምፍዋስን ነድሪ ኣብ ምንካይን ይሕግዝ እዩ።

ስርዓት ምክልኻል ኣካል

ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣካላትካ የሐይሎ። ምውስዋስ ኣካላ ምስ ትገብር፡ ምምራት ወይ ምፍራይ ዋህዮታት ስርዓት ምክኻል ኣካልን  ካብ ሕማማት ዝከላኸሉ ጸረ-ነብሳትን ይውስኽ።  ቀሊል ምውስዋስ ኣካላት፡ ከም ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ብእግርኻ ምጉዓዝ ወይ ሽግለታ ምዝዋር፡ ንሓደጋታት ጒንፋዕን ካልኦት ረኽስታትን ንምንካይ እኹል እዩ።

ምውስዋስ ኣካላት ምስ ትገብር፡ ምምራት ናይ’ቶም ነድሪ ዝጻረዱ ንጥረ ነገራት እዉን ይውስኽ እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያት ሕዱር ነድሪ ናይ ኣውቶኢሙን ሕማማትን  ናይ ልብን ስርዓተ ደምን ሕማማት ከስዕብ ስለ ዝኽእል እዩ።

ምውስዋስ ኣካላት ዝሓሸ ዑደት ደምን ንኽህሉን ኦክስጅ ኣብ ኣካሊታት ብዝበለጸ ንኽዝርጋሕን ይሕግዝ። እዚ፡ ዋህዮታት ምክልኻል ኣካል ነቶም ዝረኸሱ ወይ ዝነደሩ ቦታታት ብቕልጡፍ ይበጽሕዎም።

ስሩዕ ምውስዋስ ኣካል ምዝውታር፡ ነቲ ደረጃታት ጸቕጢ(ስትረስ) ዝፈጥር ኮርቲሶል ሆርሞን ንምንካይ እውን ይሕግዝ እዩ። መጠን ኮርቲሶል ንነዊሕ እዋን ኣዝዩ ልዑል ምስ ዝነብር፡ ነቲ ስርዓት ምክልኻል ኣካል ክጎድእ ይኽእል እዩ።